ኩሉ ጸጥ ምስ በለ ብኣስገዳድ
ኣውያት ውሽጢ ምስ ሰኣነ ዝእብድ፣
ጽምዋ ነጊሱ
ንናጽነት ወሪሱ።
እወ ጽምዋ ነጊሱ ጫውጫውታ ውሽጢ ዝረበሾ
ሰማዒ ዘይብሉ ኮነ ኢልካ ዝተዓጾ።
ኣዕዋፍ ማይ ስርዋ ግን ኔርክን ክንዲ ኩሉ
ቃንዛኡን እህህታኡን ትርደኣሉ።
ቃና መዛሙርክን መንፈሱ ዘበራብር
ቅላጸ ፋጻታትክን ተስፋኡ ዘህጥር፣
ሕብረ ጽባቐኽን መለሳ ንዓይኒ
ተስፋ ዝሰኩዕ ንናይ ምንባር ወኒ።
ተስፋ ኔርክን እወ ተስፋ ህላወ
ሕዩር ምስ ረብረበ ህይወት ምስ መነወ፣
‘ኣጆኻ’ ኢልክንኦ ንጽባሕ ክዝክር
ሕሰም ከም ዝሓልፍ እከይ ከም ዘይነብር
ዓመጽ ከም ዝበሊ ፍትሒ ከም ዝሰርር
ንስኽን ኔርክን ህያው ምስክር።
ኣዕዋፍ ማይ ስርዋ
ንዘለኣለም ንበራ
ኣይውረስክን ጽምዋ።
Tes. H.