ካብ እግሪ ተኽሊ ሓመድ እናቈሓምና
ሓንቲ ሞሶብ ሓንቲ ውንጭሕትና
ፍረ ዓተር ኣብ ክልተ መቒልና
ክንስሕቕ ክንበኪ ከይተፈላለና
ከምኣ ኢልና ክንነብር ጸጸር ዝወሓጥና፧
ይዝከረካ ዶ
ካብ ጥንቲ ዝተሰጋገረ ሰንሰለት
ግዜ ዘይቅይሮ ናይ ኣበው ውህበት
ካባና ሰጊሩ ዝነብር ዘንትእለት
ፍቕሪ ከነሰስን ዘማእከሎ ዕርክነት፧
ይዝከረካ ዶ
ተሳኒና ክንከይድ ጉስነትን ትምህርትን
ሰብ ኒሕ ከለና ንፉዓትን ትጉሃትን
ኩሎም ዘምስግኑና ዓበይትን ንኣሽቱን
ደቂ ኩሉ ከለና ውሉድ ዓድን ጐረቤትን፧
ይዝከረካ ዶ
ከሎና ሰብ ምሉእ ናጽነት
ወፊርና ክንኣቱ ብምሉእ ሓርነት፡
እንተደለና ቃርሳ እንተደለና ሻዂ
ባህ እንተበለና ሕልኮ እንተሰልከየና ኣስቲ
ፊን እንተበለና ሃድን እንተሓረና ያህለለ
ክንጻወት ተፋቒርና ከም ሎሚ ከይኮነ፧
ይዝከረካ ዶ
ተፈጥሮ ኮይኑ ኣቕሚ ኣዳም ምስ በጻሕና
ላዕልትን ታሕትን ክንብል ከነመስክር ስብእነትና
ብሕቡእ ክንቃለስ ክንፍትን ወድነትና
’ኣጓጥብለይ’ ክንብለን ነተን መዛኑና፧
ይዝከረካ ዶ
ሕልምታትና ከሎ ሰማይ ’ዚ ደረቱ
ባህግታትና ከሎ ዘይልካዕ ዕምቈቱ
ልብታትና ከሎ ግርህና ሕመረቱ
ረብሪበ ዘይብል ኣሊሹ ሓቲቱ፧
ይዝከረካ ዶ
ናይ ከተማ ጉዕዞ
በቲ ሓደ ስራሕ በቲ ካልእ ምህሮ
በቲ ሓደ ንእስነት በቲ ካልእ ሓላፍነት
ተሓላሊና ክንከይድ ክንበጽሕ ኣብ ዓወት፧
ይዝከረካ ዶ
ዝኣተናዮ ባራት ዝሰተናዮ መስተ
ዝደወርናየን ኣዋልድ ዝደረፍናዮ ፍቕሪ
ዓመት ብዓመታ ከላ ጥሪ፡
ዝተጻወትናዮ ቢልያርዶ ዝቐየርናዮ ዳማ
ንእስነትና ከላ ወናኒት ዓለማ፧
ይዝከረካ ዶ
ሓደ ካብ ዕለታት ኣብ ሓደ እንዳ ስዋ
ውልዶ ከናፍርና ሽጋራ እናጠበዋ
ዓበይቲ ጽሓፍቲ ክንከውን እናተላበዋ
ዝኣተናዮ ቃል ኣብ በይንና ኣብ ጽምዋ፧
ይዝከረካ ዶ
ዘሕለፍናዮ ምዑዝ ፍቕሪ ንእስነት
ንትማሊ ዛንታ ንሎሚ ኣብነት
ኔርካዮን ዘኪርካዮን ዘይምኖ ሕጽኖት
ከም ሎሚ ከይተቐየረ ብዛንታ ከርተት፧
ይዝከረካ ዶ
ተዘክሮ ትማሊ ከም ሎሚ ከይኮነ
ብስደትን ከልበትበትን ሰብ ከይተበታትነ
ብማእሰርትን ስቅያትን ልቢ ከየስተንተነ
ነቲ ድሙቕ ብርሃን ከይሃደኖ ድነ፧
ይዝከረካ ዶ
ዘሕለፍናዮ ኩሉ ሓቢርና ትማሊ
ግዜ ’ናኣረገ ንሱ ግን ዘይበሊ
ሎሚ ከይተጸልአት ብተዘክሮ ዓሚ
ይዝከረካ ዶ ሓወኒ ዓርከኒ፧
Tes. H.
Great memory from the best days of our childhood. Thx brother for taking me back to everlasting memory. Great poem by Tesfiiye.
LikeLike