ጾም እንታይ ኢዩ፧

ጾም ብደቂ-ሰብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንነዊሕ ዘመናት ክትግበር ዝጸንሐ ልምዲ ኢዩ። ንምዃኑ ጾም እንታይ ኢዩ፧ ብሓፈሻዊ ትርጉሙ ክንብገስ፣

ጾም ካብ መግቢ፡ መስተ ወይ ክልቲኡ ንጥዕናዊ፡ ስነ-ስርዓታዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ዕላማታታት ምሕራም ማለት ኢዩ። እቲ ምሕራም ምሉእ፡ ከፊላዊ፡ ነዊሕ ወይ ሓጺር ግዜ ዝካየድ፡ ወይ ድማ ጸጸኒሑ ዝትግበር ክኸውን ይኽእል። ጾም ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ኣብ ዓለም ምሉእ ብሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብመስረትቲን ሰዓብትን ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ብፍሉይ ዕማማት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት፡ ከምኡ’ውን ከም ምልክት ምግላጽ ተቓውሞ ኣንጻር ማሕበራዊ፡ ስነ-ምግባራውን ፖለቲካውን ግህሰት ብውልቀ-ሰባት ኮነ ጉጅለታት ክትግበር ጸኒሑን ኣሎን።

ጾም ማለት ብገዛእ ፍቓድካ (ብወለንተኻ) ካብ ገለ ወይ ኩሎም መግብታት ወይ መስተ ወይ`ውን ካብ ክልቲኦም ጠሪስካ ምሕራም ወይ ኣብ ኣወሳስዳኦም ምጐዳል ማለት ኢዩ። ውጹእ ጾም (ደረቕ ጾም’ውን ይበሃል ኢዩ) ዝበሃል ካብ ኩሉ ዓይነት መግብን ፈሳስን ንዝተወሰነ ግዜ (መብዛሕቲኡ ን24 ሰዓታት ወይ ገለ መዓልታት) ምሕራም ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ጾመ-ማይ እንተኮይኑ ማይ ምስታይ ዝፍቀድ ኮይኑ ካልእ ግን ክልኩል ኢዩ። ገሊኦም ዓይነት ጾማት ከፊላዊ ጾማት ኮይኖም ዝተወሰኑ ዓይነታት መግቢ ወይ ነገራት ካብ ምብላዕ ጥራሕ ይኽልኽሉ። ጾም ጸጸኒሑ ወይ ሓሓሊፉ ዝትግበር’ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣተገባብራ ጾም ወሲብን ካልኦት ንጥፈታትን ከምኡ’ውን መግቢ ዝኽልክል ክኸውን’ውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ስነ-ኣካላዊ ኩነት፡ ጾም ንናይ ሓደ ምሉእ ለይቲ ከይበልዐ ዝሓደረ ሰብ መታቦላዊ ደረጃ ዝምልከት ክኸውን ይኽእል። ማለት እቲ ሰብ ዝተመገቦ ኩሉ ሓቒቑን ተመጽዩን ምስ ምስ ተወደአ ዝፍጠር ኩነት ማለት ኢዩ። ኣብ ግዜ ጾም ሓያሎይ መታቦላዊ ምትዕርራያት ኢዮም ዝካየዱ። ሓደ ሰብ ናይ መወዳእታ መግቢ ካብ ዝበልዓሉ ግዜ ድሕሪ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት ኣትሒዙ ኢዩ ከም ዝጾመ ዝሕሰብ።

ሰባት ግን ስለምንታይ ኢዮም ዝጾሙ፧

ናብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና ገለ ሓፈሻዊ ምኽንያታት ክንርኢ። ኣመንቲ ጾም ኣካላዊን መንፈሳውን ምሕዳስ ከምዘምጽእ ኢዮም ዝዛረቡ። ኣብ እምነት ጾም ምስ ጣዕሳን ካልኦት ዓይነታት ነብሰ-ምቁጽጻርን ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ምስ ሃይማኖታዊ ጾም ዘተኣሳስር ዝንባለ ዘለወን ኢየን ዝመስላ። ብዘይ መኣዛዊ መግቢ ንነዊሕ እዋን ክትሰርር ምኽኣል ከም ምልክት ቅድስናን ንጽህናን ኢዩ ዝቑጸር ነይሩ። ናብ ዝርዝሩ ድማ ክንሰግር፣

  1. ሃይማኖታዊ ምኽንያታት

ኣብ ሃይማኖታት ጥንታውያን ህዝብታትን ስልጣነታትን፡ ጾም ነቶም ናብ ኣማልኽቲ ወይ ጣኦታት ንምቕራብ ዝቀራረቡ ዝነበሩ ሰባት (ብፍላይ ከኣ ኣቕሽቲ) ንምስንዳው ይትግበር ነይሩ። እቶም ኣማልኽቲ ወይ ጣኦታት መለኮታዊ መልእኽቲታቶም ኣብ ሕልምታትን ራእይታትን ዘግህዱ ናይ’ቶም እሙናት ተኸተልቲ ጠቕላላ ተወፋይነት ድሕሪ ዝሓትት ጾም ጥራሕ ኢዩ ዝግሃድ እናተባህለ ይእመን ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ባህልታት እቲ ልምዲ ጾም ንዝተቘጥዑ ጣኦታት ኣብ ምህዳእ ወይ ድማ ከም ዝሞተ ንዝተኣምነሉ ጣኦት ዳግም ንኽመጽእ (ትንሳአ) ንምሕጋዝ ተባሂሉ ኢዩ ዝትግበር ነይሩ። እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ኢዩ።

ምስ ምምጻእ ክርስትና ጾም ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ልምድታት ኣብያተ-ክርስትያንን ኣመንትን (ገለ ውሑዳት ክፋል ክርስያን ገዲፍና) ኮይኑን ተሓዲሱን ቀጺሉ። ብፍላይ ዓቢ ጾም (ጾም ኣርብዓ) ኣመንቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ካቶሊክን ተዋህዶን ንኣብነት ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድረ-በዳ ዝጸሞ 40 መዓልትን ለይትን ንምዝካርን ንምኽባርን ብከፊል ዓመት መጽአ ይጽምዎ ኢዮም። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ እቲ ናይ ጾም መዓልታት ካብ 40 ዝዝያየድ ምዃኑ’ውን ይፍለጥ። ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ክርስያን’ዘን ክልተ ሃይማኖታት ብፍላይ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዓቢ ጾም፡ ኣብ ዓመት ምሉእ ዝዝርግሑ ዝተፈላለዩ ናይ ጾም ግዝያት ኣለዉዎም፣ ጾመ-ሃዋርያት፡ ጾመ-ፍልሰታ፡ ቅድሚ ልደት ኣብ ሕዳር ዝጅምር ናይ 40 መዓልታት ጾም (ጾመ-ልደት)ን ካልኦትን ገለ ካብኣቶም ኢዮም።

ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና’ውን ንጾም ብዓቢ ክብሪ ኢዮም ዝትግብርዎ። ኣብ ቅዱስ ወርሒ ሮሞዳን ዝካየድ ጾም ድማ ንገለ ዝተወሰነ ምኽንያታት ገዲፍካ ንኹሉ ሰብ ግዴታዊ ኢዩ።

  1. ጥዕናዊ ምኽንያታት

ጾም ንፍወሳዊ መዓላ፡ ግሪካዊ ሓኪም ሂፖቅራጦስ ንዝተወሰኑ ምልክታት ሕማም ንዘርኣዩ ሕሙማቱ ካብ መግቢ ወይ መስተ ክሕረሙ ክመኽረሉ ምስ ጀምረ፡ ካብ ብውሕዱ 5 ክፍለ-ዘመን ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ኣትሒዙ ከገልግል ጸኒሑ። ንጾም ዝምልከቱ ናይ መጀመርታ ዝተወደቡ መጽናዕቲታት ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንስሳታትን ምስ ተተግበሩ፡ ርድኢት ኣካላዊ ሳዕቤን ጾም ካብ መወዳእታ ክፋል መበል 19 ክፍለ-ዘመን ኢዩ ክቕልቀል ጀሚሩ። ኣብ 20 ክፍለ-ዘመን ድማ ብዛዕባ መኣዛታት መግብን ኣድላይነቶምን ንኣካላት ወዲ-ሰብ ብዝያዳ እናተፈልጠ ምስ መጽአ፡ ኣገባባት ጾም ዝተሓላለኹ እናኮኑ መጺኦምን ዝተፈላለዩ ኣገባባት ተቐልቂሎምን። ንኣብነት፡ ኣብ ሆስፒታላት፡ ክሊኒካት ወይ መንበሪ ገዛውቲ ጾም ከም መፈወስን መከላኸሊ ሕማማትን ኣብ መዓላ ዊዒሉ። ገለ ኣገባባት ጾም፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ምፍዋስ ሕዱር ሕማማት ዝተተግበሩ፡ ሕሙማት ማይ ጥራሕ ወይ’ውን ካሎሪ ዘይብሉ ሻሂ ከም ዝሰትዩ ተፈቒዱሎም፡ ምንቅስቓስ እናገብሩን መዓናጥኦም እናተሓጽበን (enema) ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ከም ዝጸንሑ ተገይሩ ኢዩ። ካልኦት ኣገባባት ዝተመሓየሸ ጾም ድማ እቶም ሕሙማት ኣዝዩ ውሑድ ካሎሪ ዘለዎ መግቢ ጥራሕ ከም ዝወስዱ ጌርካ፡ ኣካላዊን መንፈሳዊን ፍወሳ ወሲኻካ ተተግቢሮም ኢዮም።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና መበል 21 ክፍለ-ዘመን ምጻም ኣብ ክንክን ዝተወሰኑ ብርቱዓት ሕማማት ገዲፍካ፡ ኣብ ካልእ ኩነታት ንጥዕና ደቂ-ሰብ ጠቓሚ ድዩ ኣይኮነን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ብሰባት ጸጸኒሑ ዝግበር ነዊሕ ዘይኮነ ጾም ጥዕናዊ ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእል ገለ መጽናዕቲታት’ኳ እንተኣመልከቱ፡ ዝተናውሐ ምስ ዝኸውን ግን ጥዕናዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኢዮም ኣስተውዒሎም።

ንፍወሳ ጥዕናዊ ጸገማት ተባሂሎም ዝተተግበሩ ናይ ጾም ስጉምቲታት ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘኸተልሉ ኣጋጣሚታት’ውን ነይሩ ኢዩ። ሊንዳ በርፊልድ ሃዛርድ ዝተባህለት ኣመሪካዊት ሓኪም ንኣብነት ጥብቂ ጾም ካብ ዝኣዘዘትሎም ተሓከምቲ ጠንቂ ሞት 40 ሕሙማት ምንባራ ኢዩ ዝዝንቶ። ስለ’ዚ ጾም ንፍወሳዊ መዓላ ክንጥቀመሉ እንደሊ ሰባት ጥንቃቐን መስትውዓልን ከድልየና ኢዩ።

  1. ጾም (ምሕሳም መግቢ) ከም መግለጺ ተቓውሞ

ብዘይካ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ መዓላታት ጾም፡ ምሕሳም መግቢ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ኣረኣእያታት፡ ብፍላይ ከኣ ከም መርኣያ ተቓውሞ ወይ ሓድነት ንምግላጽ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። ህንዳዊ ማሃትማ ጋንዲ ነቶም ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ጐነጽ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ሰዓብቱ ነቲ ናቱ ዘይጐነጻዊ ተቓውሞ ንክኽተሉ መታን ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዝጸሞ ጾም ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣብነታት ኢዩ። ጋንዲ ብድሕኡ’ውን ንጾም ተመሳሰልቲ ዕላማታት ንምትግባር ከምዝተጠቀመሉ ኢዩ ዝንገር። ጾም ኣንጻር ኲናት፡ ማሕበራዊ ሕሰማትን ወጽዓታትን ንምቅዋም ክትግበር ጸኒሑ ኢዩ። ብዙሓት ‘ፍትሒ ደሊና’ ዝብሉ እሱራት’ውን ኣቓልቦ ንምርካብ በብግዚኡ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ (ጾም) ይገብሩ ኢዮም። ብሰንኩ ህይወቶም ዝሰኣኑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ 1981 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝሓሸ መሰላት እሱራት ኣብ ቤት-ማሕቡስ ንምምጻእ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምሕሳም መግቢ ህይወት 10 ሰባት ወሲዱ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ሓደ ካብ’ቶም ዝሞቱ 66 መዓልታት ኢዩ ዝኾነ መግቢ ከይበልዐ ጸኒሑ። 10 ካብ’ቶም መግቢ ዝተሓሰሙ ድማ ካብ 46 ክሳብ 73 መዓልታት ዝኾነ መግቢ ከይበልዑ ጸኒሖም ኢዮም።

ዘለናዎ ወርሓት ክሳብ ትንሳአ ናይ ዓቢ ጾም ግዜ ኢዩ። ንኹሎም ጸወምቲ ኣመንቲ ክርስትና ድማ ሰናይ ናይ ጾም ግዝያት ይምነየሎም።

 

Sources:

  1. Wikipedia
  2. Encyclopedia Britannica
  3. The Telegraph

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s