ድሌታዊ ስንብታ – ብገዛእ ፍቓድካ መዝነትካ ምሕዳግ ወይ ምግዳፍ

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብገዛእ ፍቓዱ ናይ ውድብን መንግስትን መዝነታቱ ከረክብ ነንዝምልከቶም ኣካላት ጠለቡ ብዕሊ ኣቕሪቡ ምህላዉ ተገሊጹ ኢዩ። ብዙሓት ወገናት ድማ ዘዝመስለኦም ትንተና ይህብሉ ኣለዉ። ትንተንኡን ድርኺቱን ንጐድኒ ገዲፍና፡ እዚ  ስልጣንካ ብገዛእ ፍቓድካ ናይ ምርካብ ኩነት ሳሕቲ ዝኽሰት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ብፍላይ ግን ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ምቕልቃሉ ጽቡቕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብዝኾነ ግን ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ቁሩብ ኣፍልጦ መታን ክህልወና ካብ Wikipedia ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ከካፍለኩም።

ድሌታዊ ስንብታ (Resignation) ማለት ዕላዊ ተግባር ምሕዳግ ወይ ምቁራጽ ቤት-ጽሕፈትካ ወይ መዝነትካ ማለት ኢዩ። ድሌታዊ ስንብታ ሓደ ብኣገባብ ዝተመርጸ ወይ ዝተሾመ ሰብ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ወይ ከረክብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሕቶ ምስ ዘቕርብ ይኽሰት። ሓደ ሰብ ዕድመ መዝነቱ ምስወድአ ሽመቱ ምስ ዝሓድግ ግን ድሌታዊ ስንብታ ኣይበሃል ኢዩ።

ብዙሕ ግዜ ድሌታዊ ስንብታ ምስ ፖለቲካዊ ስልጣን ጥራሕ ጌርና ንጥምቶ ኣይንስኣን ኢና። ከምኡ ጥራሕ ግን ኣይኮነን ዘስምዕ። ሓደ ሰራሕተኛ ብገዛእ ፍቓዱ መዝነቱ ወይ ስርሑ ክሓድግ ምስ ዝጠልብ’ውን ድሌታዊ ስንብታ ኢዩ ዝበሃል። ሓደ ስራሕተኛ መዝነቱ ወይ ስርሑ ከረክብ እንተተቐሲቡ ግን ድሌታዊ ስንብታ ዘይኮነ ግዱድ ምቁራጽ ስራሕ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ምቁራጽ ስራሕ ግዱድ እንተኮይኑ ድማ ኣስራሒ ንሰራሕተኛ ሕጊ ዝእዝዞ መሰላቱ ከኽብረሉ ይግደድ ኢዩ። በዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብዙሕ ዘይምርድዳእ የጋጥም ኢዩ።

ሃጸይ፡ ንጉስ፡ ጳጳስ ወይ’ውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሰብ-መዝነት ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ክለቁ ከለዉ’ውን ብእንግሊዘኛ ድኣ ካልእ ቃል ይጥቀሙ ኢዮም’ምበር (Abdication ይበሃል)፡ ትርጉሙስ ድሌታዊ ስንብታ ኢዩ።

ብመሰረቱ ድሌታዊ ስንብታ ስልጣንካ ናይ ምልቃቕ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንዕኡ ዝድርኹ ግዳማዊ ጸቕጥታት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይረኣዩ ኢዮም። ንኣብነት፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ ነሕሰ 1974 ስልጣኑ ክሓድግ ከሎ በቲ ናይ ‘ብዕልግና ዎተርገይት’ (Watergate scandal) ዝፍለጥ ጽዩፍ ተግባር ምስ ተቓልዐ ኢዩ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ባይቶ ሃገሩ ብብልሽውና ክኸስሶ (impeachment) ምዃኑ ዳርጋ ርግጸኛ ስለዝነብረ’ሞ ካብ’ቲ ክሲ ንምምላጥ ክቕድሞ ስለዝወሰነ ኢዩ።

ካብ ስልጣንካ ብገዝእ ፍቓድካ ምውራድ ከም ፖለቲካዊ መናወራ ኮይኑ ዘገልገለሉ ግዜ’ውን ተራእዩ ኢዩ። ኣብ 2005 ኣብ ፍሊፒንስ፡ 10 ኣባላት ካቢነ ፕረዚደንት ግሎርያ ማካፓጋል ኣሮዮ መረጻዊ ምትላል ፈጺሙ ኢዩ ንዝተባህሎ ክሲ ንምምስራት ጸቕጢ ንምግባር ብሓባር ካብ ስልጣኖም ወሪዶም። ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት’ውን ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ናይ ፈለማ ዝኾነ ክሲ ካብ ስልጣን ምውራድ (impeachment) ኣጋጢምዎ ኢዩ።

ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ነዚ ኣገባብ ናይ ድሌታዊ ስንብታ ንውልቃዊ ረብሕኦም ይጥቀምሉ ኢዮም። ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ማጆር ኣብ ናይ መሪሕነት ምርጫ መታን ክወዳደር፡ እሞ ነቲ ካብ ውሽጢ ሰልፉ ይወርዶ ንዝነበረ ነቐፌታት ኣፍ ንምትሓዝ ብምሕላን፡ ካብ’ቲ ዝነበሮ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ ሓላፍነት ብገዛእ ፍቓዱ ተሰናበተ። ምስ ተሰናበተ፡ እንደገና ተንሲኡ ዳግማይ ተመርጸ። ክሳብ ኣብ ናይ 1997 ምርጫ ዝሰዓር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኮይኑ ቀጸለ።

ሽሕ’ኳ ሰብ-መዚ መንግስቲ ወለንታዊ ናይ ስንብታ ሕቶ የቕርቡ፡ ኩሉ ግዜ ግን ጠለቦም ተቐባልነት ኣይረክብን ኢዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስልጣኑ ከረክብ ዝጠልብ ዘሎ ብዓል ስልጣን ክስብ ክንደይ ተኣማንነት ከምዘሎ የርኢ ኢዩ።  ጽሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ራመስፊልድ ብጉዳይ ግዕዝይና ቤት-ማእሰርቲ ኣቡ-ቕሬብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክልተ ግዜ ንዘቕረቦ ጠለብ፡ ናይ’ቲ ግዜ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብልዩ ቡሽ ነጺግዎ። እዚ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ራመስፊልድ ዝነበሮ እምነት ኢዩ ዘንጸባርቕ።

ይኹን’ምበር ንዝቐረበ ጠለብ ምንጻግ ስዒቡ ብዝመጽእ ምስጓግ እንተተሰንዩ፡ ነቲ ጠለብ ዘቕረበ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ ናይ ፔሩ ፕረዚደንት ኣልበርቶ ፉጂሞሪ ስልጣኑ ብፍቓዱ ከረክብ ፈቲኑ ነይሩ። ባይቶ ግን ንሕቶኡ ነጺጉ፣ ኣብ ክንድኡ ብገበን ኢዩ ከሲስዎ።

ንብዙሓት ዓበይቲ ናይ መግስቲ ሰበ-ስልጣን እዚ ናይ ወለንታዊ ስንብታ ኣጋጣሚ ዓቢ ኣድህቦ ዝረክብ፡ ሓያል ናይ መፋነዊ መደረ ዘቕርብሉ ግዜ’ውን ኢዩ። ስልጣኖም ካብ ዘረክብሉ ግዜ እቲ ምስ ሰልፍታቶም ዝህልዎም ሓባራዊ ሓላፍነታት ስለዝጎድለሎም ብዛዕባ ህሉው ጉዳያት ብዝበለጸ ናጽነት ናይ ምዝራብ ዕድል ይረኽቡ። ነቲ ስልጣኖም ከረክቡ ዝቐሰቦም ጉዳያት ወይ ምኽንያታት ድማ ኣነጺሮም ክዛረብሉ ይኽእሉ።

‘ኣነስ ከመሓድረኩም ዓቕምን ብቕዓትን ሓጺሩኒ ኣሎ’ሞ፡ ንዓኹም ዝኸውን ቈጽሊ ዘንበርክምሉ ምረጹ’ ዝብሉ ሰባትሲ የሰስኖም ድኣ!

23 ለካቲት 2018

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s