ሽገይ ሃቡኒ

ዓኾዃይ ዓኾዃይ
ቁራዕ ሕሰም ውጻእ – ቁራዕ ራህዋ እቶ
ቁራዕ ምልኪ ውጻእ – ቁራዕ ናጽነት ብሓቶ
ቁራዕ ሓይሊ ውጻእ – ቁራዕ ሕጊ ገዝቶ።
ሽገይ ሃቡኒ – ሽገይ ሪመይ
ሽገይ ሃቡኒ – ሽገይ ውርሻይ፣
ሽገይ ሃቡኒ – ሽገይ ፍኖት ሓቂ
ሽገይ ኣረክቡኒ – ሽገይ ጸሓይ በርቂ።
ሽገይ ሃቡኒ – ዓኾዃይ ክብለላ
እታ ዝመንጠልኩምኒ – ኣብ ሸላታት ዘላ፣
ሽገይ ሃቡኒ – ዓኾዃይ ክብለላ
እታ ዝዘመትኩምኒ – ዓለም ኣብ ካልኣ ከላ።
ሽገይ ሃቡኒ – ሽግ ሓቅን ርትዕን
ሽገይ ኣረክቡኒ – ሽግ ቅዋምን ፍትሕን
ሽገይ ምለሱለይ – ሽግ ዓዲን ሃገርን
እታ ዝዘመትኩምኒ ብድሎን ብቓጻን።
ዓኾዃይ ክብለላ መስከረም በጺሑ
ኣባይ ከይጽልምት ኣብ ካልእ ወጊሑ፣
ሽገይ ሃቡኒ ዝወሰድኩማ መስከረም
ዓደይ ከይትኸውን ዝወለደት ዓረም።

Tes.H.

31/08/18

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s