ሓሳባትና ንምስማር ቃላትና ንጸልጽል

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ተክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ዝኽእል መሳርሒታትን መሳለጥያታትን መራኸቢ፡ ዘርከበ ዘበለ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎኑ ዝመጽኣሉ ሓሳብ ከፍስስ ዕድል ረኺቡ ኣሎ። ሓሳባትካ ብሓርነትን ‘እንታይ ከይብሉኒ?’ ካብ ዝብል ፍርሒን ስክፍታን ናጻ ኮይንካን ክትገልጽ ምኽኣል ጸጋ እዩ። ነዚ ጸጋ’ዚ ብኸመይ ትጥቀመሉ ምፍላጥ ግን ምስትውዓል ይሓትት።

ነቶም ኣብ ኢንተርነት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገጻት ‘ፈይስቡክ’፡ ዝሰፍሩ ጽሑፋት (ካብ ሓድሽ ርእይቶ/ሓሳብ ክሳብ ግብረ-መልስን መልሰ-ዕንጋሎን/feedback) እንተ ኣስተውዒልናሎም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብኣታቶም ከተንብቦም ዘየተባብዑ፡ ተጸሚምካ እንተ ኣንበብካዮም ከኣ ውሽጥኻ ዝብክሉ መረዝቲ፡ ኣዕነውቲ፡ ጻህያይ ዝጎብኦም ኮይኖም ይጸንሑኻ።

ብርግጽ ኣዝዮም ሃነጽቲ፡ መሰጥቲ ሓድስቲ ሓሳባት ሒዞም ዝመጽኡ፡ ተመኩሮምኦም ዘካፍሉ፡ መገዲ ዓወት ዝሕብሩን ዘአንፍቱን፡ ትስፉዋት፡ ኣተባባዕቲ . . . ሓሳባት ዝጽሕፉ ኣለዉ። ምስጋና ንዓታቶም ይኹን። እቲ ዘሎ ጻህያይ ግን ብዙሕ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ዘድሊ ፍረ ክይንሓፍስ ከኣ ዓቢ ኣዕናዊ ኣበርክቶ ክገብር ይርከብ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብኤርትራውያን ካብ ዝጸሓፉ ዝበዝሑ ጽሑፋት መቸም ብውሁብ ኩነታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ዘተኰሩ እዮም። ሃገር ከኣ ናይ ውልቅን ናይ ሓባርን’ያ። ናይ ውልቂ ትኾነሉ ምኽንያት፡ ብድምር ውልቀ-ሰባት ስለ ትቐውም’ዩ። ናይ ሓባር ትኾነሉ ከኣ ሃገር ክትከውን እንተ ኾይና እቶም ውልቀ-ሰባት ስለ ንድመር’ዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዝህቦ ሓሳባት ነቶም ጉጅለ ወይ ሃገር የገድሰና’ዩ። እቲ ውልቀ ዝህቦ ሓሳባት እምበኣር፡ ሓሳባቱ ነቶም ብዙሓት ቅድሚ ምሃቡ ካብ ስምዒት ወጺኡ፡ ረጊኡ፡ ደጋጊሙ ኣኮማሲዑ ክቕርበልና ንጽበዮ። ኩሉ ዘምጽኦ ሓሳባት ከነኽብረሉ፡ ዘይንቕበሎ እንተ ኾይንና’ውን ኣደብ ብዝመልኦ ስልጡን ኣገባብ ዘይተቐበልናሉ ምኽንያት ክንገልጸሉ፡ ዝመሓየሽ እንተ ኾይኑ ርእይቶና ክንህበሉ፡ ዝእረም እንተ ኾይኑ ድማ እቲ ውልቀ ኮነ ካልኦት ክንመሃረሉ ብንኽእል ኣገባብ ሓሳባትና ከነካፍል፡ ብሓጺሩ ንሕና’ውን ሓሳባትና ናይ ምግላጽ መሰልና ተጠቂምና፡ ርትዓውያን ኮይንና ክንተኣራረም’ዩ ትጽቢት ዝግበረልና። ከም ምክብባር ዝመስሉዎ ምትሕልላው ሕውነትን ፍቕርን ዝህሉ መቸም ኣይመስለንን። ካብኡ ብዝሓለፈ ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እነውርዶ ጸለመን ዘለፋን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ጽቡቕ እዩ።

ካብ ትዕዝብተይ፡ ብዙሓት ሰባት እነቕርቦም ስምዒታዊ ሓሳባት፡ ንዝቐረቡ ሓሳባት እንህቦ ግብረ-መልስን መልሰ-ዕንጋሎን ኣጻብዕትና ኣብ መላጉም ተለፎናትና ምጥዋቑ ዝሰለጠን ብምጽሓፍ ዝምጩ ከይከውን እስከፍ። ካብ’ዚ ብምብጋ’የ ድማ ነዛ ንእሽቶ ኣብ እንታይነት ‘ሓሳብ’ ዘተኰረት ጽሕፍቲ ዘቕርባ ዘለኹ።

ሓሳባት ብቓላት ክሳብ ዘይተገልጹ ክስምዑ፡ ክድህሰሱ ወይ ክንበቡ ኣይክእሉን እዮም። ናብ ተጠቃሚ ክበጽሑ እንተ ኾይኖም፡ ሓሳባት ብቓላት ክግለጹ ኣለዎም። ቃላት ናይ ሓሳባት መንኰርኮር’ዮም። ሓደ መንኰርኮር ናይ ምርምር ወይ መራኸቢታት ሳታላይት ተጻዒኑ ናብ ህዋ ምስ ዝውንጨፍ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘይተኣደነ ኣበርክቶ ክገብር ከሎ፡ ዓረር መድፍዕ ወይ ኑክሌር ሒዙ እንተ ተወንጪፉ ግን ውጽኢቱ ዕንወት ከም ዝኸውን ፍሉጥ’ዩ። እቶም ኣብ’ቶም ቃላት ዝጸዓኑ ሓሳባት’ምበኣር ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ጽቡቕ መዓላ መታን ክነውዕሎም፡ ንቓላትና ብልዑል ጥንቃቐ ክንመርጾም እዩ ዝግበኣና።

መሰረት ኩሉ ነገር ሓሳብ’ዩ። ሓሳብ ድማ ብጽዓት ዝተነድቀ’ዩ። ብሉጻት ሓሳባት ዘመንጩው ሰባት፡ ኣድማዒ ስራሕ ከሰርሕ ዝኽእል ጽዓት ስለዘጥርዩ፡ ብሉጻት ስራሓት ይሰርሑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዕዉታት ይኾኑ። ብሉጻት ሓሳባት ማለት፡ ነንሕድሕዶም ዝመላልኡ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ናይ ምድምማር ወይ ምውስሳኽ ባህሪ ዘለዎም፡ ኣብ ዝተወሰነን ንጹርን ዕላማ ብምትኳር ጭቡጥ እወታዊ ውጽኢት ንምርካብ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ወይ ዝሕለኑ እዮም። ብሉጻት ሓሳባት ብእወታዊ ድርኺት ዝጥነሱን ንምትግባሮም ትዕግስትን ኣብ ዕላማ ጸኒዕካ ምብዳህን ይሓትቱ። ክትቃንዮም ልቦናን ምስትውዓልን ይሓትቱ። ሓንሳብ ኣብ መትረብ ትግባረ እንተ ኣትዮም ዝዓግቶም ሓይሊ ኣይህሉን። ብሉጻት ሓሳባት ዘመንጭዉ ሰባት ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማኦም’ውን እንተ ኣስተውዓልናሎም፡ ትስፉዋትን ኣብ ልዕሊ ህይወት እወታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎምን እዮም።

ዘይብሉጻት ሓሳባት ድማ ብኣንጻሩ ነንሕድሕዶም ዝፈራረሱ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ ኣቃውማ ዘለዎም፡ መጥመሪ ዘይብሎም፡ ዘይጽኢታውያን እዮም። ዘይብሉጻት ሓሳባት መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ብዘይሓስቡ፡ ኣዕናዊ ባህርያት ዘለዎም፡ ናይ ካልኦት ዓወት ክርእዩ ዘይደልዩ ሓሳዳትን ስቓይ ካልኦት ዘሐጉሶምን (sadists)፡ ተስፋ ዝቘረጹ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ዝገዝኦም፡ ናይ ጽባሕ ዓወት ብናይ ሎሚ ጻዕሪ ከም ዝረጋገጽ ንምስትውዓል ዓቕሚ ዝሰኣኑ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ደረጃ ፍልጠቶምን ንቕሓቶምን ትሑት ዝኾኑ . . . ሰባት ይምጩዉ።

ሓሳብ፡ ጽዓት ምዃኑ እንተ ተሰማሚዕና፡ ዝተወሃሃደ ጽዓት ክህበና ዝኽእል ሓይሊ (ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብእኩብ) ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ሓሳብ ኣድማዒ ክኸውን እንተ ኾይኑ ግን እወታዊ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ሃገርናን ህዝባን (ብመሰረቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና) ክንመያየጥ፡ ሓስባት ክንለዋውጥ፡ ዝሓሰብናዮ ድማ ተግባራዊ ክንገብር እንተ ኾይንና፡ መጀመርታ ሓሳባትና ክንቃንን ምሩጻት ቃላት ተጠቂምና ክንገልጾን ክንዛተየሉን ይግባእ። ምሩጻት ሓሳባት ብምሩጻት ቃላት ክንገልጾም ከለና ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ኮነ ናይ ምግባር ዓቕምና ብዕጽፊ ከም ዝዛይድ ምስትውዓል የድልየና። ሓይልና ክስስንን ዝደለናዮ ዕላማ ክንወቅዕ ክንክእልን፡ ሓሳባትና ኣብ ሓደ እንተ ኣስሚርና ጥራይ’ዩ ክዉን ክኸውን ዝኽእል። መልሓስናን ኣጻብዕትናን ሕማቕ ቃላት ከየሳስያ ክንክንሽበን የድለና። ሕማቓት ቃላት ጻህያይ ሓሳባት እዮም፣ ክመሓዉ ጥራይ’ዩ ዘለዎም።

‘መልሓስ፡ ዓጽሚ ዘይብላ ክንሳ ዓጽሚ ትሰብር’ ትብል ምስላ ሕብረተ-ሰብና እንተ ዘኪርና፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ብሓጺሩ ተጠቓልሎ’ያ እሞ፡ ብዙሓት ቃላትና ምጽልጻል የድልዮም ከም ዘሎሲ ነስተውዕል ድኣ!

Tes. H.

One thought on “ሓሳባትና ንምስማር ቃላትና ንጸልጽል

  1. ንስለ’ቲ ቅድውን ሃናጺን ርእይቶኻ፡ ብልቢ አመስግን። ብዙሓት ከምእንእረም’ውን እምንቶይ ኢዩ። ረቢ ይሓግዝ።

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s