ኣመለካኽታና ቀላሲ ጕዕዞ ህይወትና’ዩ

ኣብ ስነ-ተረት ቻይናውያን፡ ‘እቲ እምባታት ዘልግስ ዓሻ ኣረጊት ሰብኣይ (yu gong yi shan)’ እናተባህለ ዝዝንቶ ኣዝዩ ፍሉጥ ጽውጽዋይ ኣሎ። እቲ ጽውጽዋይ ንኣገዳስነት ጽንዓትን ነቕ ዘይብል ሓሳብን ዘጕልሕ’ዩ።

እቲ ዛንታ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ቻይናዊት ዓዲ ከም ዝተፈጸም’ዩ ዝንገር። እታ ዓዲ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተደኰነት ኰይና፡ ኣብ ታሕቲ ግን ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ጐላጉል ነበራ። ገዛ ናይ ሓንቲ ስድራ ኣብ ቅድሚኣ ሓደ ጎቦ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ሕርሻ ቦታኣ ኣብ ገዛኣ ኰይና ክትከታተሎ ትጽገም ነበረት። ነቲ ኣቦ’ታ ስድራ ዝነበረ ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ ሓደ ሓሳብ መጽኦ፣ ነቲ ጎቦ ካብ ቅድሚ ገዛኦም ሓግሒግካ ምእላዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ደቁ ኣኽቲቱ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ነታ ጎቦ ክፍሕቋ ጀመረ።

ነዚ ዝረኣዩ ደቂ ዓዲ ተግባራት’ቲ ሰብኣይ ኣስደሚሙዎም፡ ‘እዝስ ጥዑይ ሰብ ዝገብሮ ስራሕ ኣይኰነን። ክንድ’ዚ ዝኣክል ጎቦ ብዓቕሚ ሓንቲ ስድራ፡ እሞ ከኣ ብዘይጠቅም መሳርሒ፡ ኵዒትካ ከተለግሶ ምሕሳብ ብሃምነት ጥራይ’ዩ። ካልኡ ግዳ ዘይገብር፧’ እናበሉ ከባጭውሉን ከቈናጽቡዎን ጀመሩ። ‘ትገብሮ ዘለኻ ጌጋ’ዩ’ ኢሎሞ ስለ ዘይሰምዖም’ውን ‘እቲ ዓሻ ኣረጊት ሰብኣይ’ ዝብል ቅጽል ኣጥበቕሉ። ንሱ ግን ነቶም ንተበግሶኡ ዘቈናጽቡ ደቂ ዓዱ ብህድኣት ከም’ዚ ክብል’ዩ መሊሱሎም፤ “ኣነን ወለዶይን እናሰሰናን እናሓየልናን ኢና እንኸይድ። እዚ ጎቦ ግን ኣይውስኽን’ዩ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ተካእቲ ወለዶይ ጐልጐል ክገብሩዎ እዮም። ኣብ ገዛኦም ኰይኖም፡ ኣስተርሕዮም ድማ ሕርሻኦም ክቈጻጸሩ’ዮም።”

ብርግጽ፡ እቲ ጎቦ፡ ብባህርያዊ መስርሕ’ውን እንተዀነ፡ ግዝፉ ይንኪ’ምበር ኣይውስኽን’ዩ። ሓይሊን ጥበብን ደቂ ሰብ ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደንፍዐ’ዩ ዝኸይድ። እቲ ዋና ነገር፡ ንጹር ራእይን ሕልምን ክህሉ የድሊ፣ ነቲ ራእይን ሕልምን ዘተግብር ጽኑዕ ውሳነን ተበግሶን ድማ ይሓትት። እዚ ካብ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ነገራት ዝምጩ’ዩ።

ደቂ ሰብ ውጽኢት ኣተሓሳስባና ምዃንና ብብዙሓት ፈላጣት ንብዙሕ ዓመታት፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ተነጊሩ’ዩ። የግዳ፡ ነዚ ምስጢር ፈሊጦም ኣብ መዓላ ዘውዕሉዎ ውሑዳት’ዮም። ስለዝዀነ’ዩ ድማ ዕዉታት ካብ ዘይዕዉታት ዝውሑዱላ ዓለም ዘላትና።

መብዛሕትና ዓለምና ብጸገማትን ሽግራትን ከም ዝተጐብአት ጌርና ኢና እንጥምታ። ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን፡ ምስ ህሉው ኵነታትና ብኸምኡ እንተ ጠመትናያ ዝተሓዘና ኣይመስለንን። ይኹን’ምበር፡ ከም’ቲ ቻይናዊ ሽማግለ ቅድም ብሕልናና ክንዮ’ቲ ጎቦ እንተ ርኢና፡ ነቲ ሰፊሕ ጐልጐል ብቐሊሉ ከነረኻኽበሉ ምዃንና ክንግንዘብ ኢና።

ዓለምና ማእልያ ብዘይብሎም ጸጋታት ዝመልአት’ያ። ገሊኦም ጸጋታት ዝድህሰሱን ዝረኣዩን እዮም። እዞም ኵሎም ባህርያዊ ጸጋታት ድማ ኣብነት’ዮም። ወዲ ሰብ’ውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝኸበረን ዝበለጸን ኣካል ናይ’ዚ ጸጋታት’ዩ። ካልኦት ድማ ዘይረኣዩን ዘይጭበጡን’ዮም። ፍልጠት፡ ንቕሓት፡ ንጹር ራኢ፡ ዕላማ ህይወት፡ ክገብር’የ ዝብል ኒሕ ሒደት ካብ ኣብነታቶም እዮም። ኣብ ህይወትና ዕዉታት ዝገብሩና ፍልጠትን ንቕሓትን እንተ ወኒንና፡ ነቶም ካልኦት ክንውንኖምን ከነተግብሮምን ንጽገም ኣይመስለንን። ንቕሓት ውጽኢት ፍልጠት እዩ። ኵሉ ነገር ብንቕሓት ምስ እንገብሮ፡ ናይ ምዕዋት ተኽእሎና ኵሉሳዕ ልዑል’ዩ። ንቕሓት ማለት ንኣተሓሳስባኻ ብኣፍልጦ ምቕናይ ማለት እዩ። ኣተሓሳስባኻ ምቕናይ ማለት ድማ ኣብ ልዕሊ ኵነታት ኣረኣእያኻ ምምዕርራይ እዩ። ዘይሩ-ዘይሩ፡ ዓወትና ወይ ውድቀትና ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን እዩ ዝምርኰስ። እቲ ቻይናዊ ሽማግለ ‘ዝወስዶ ግዜ ብዘይገድስ፡ ነዚ ጎቦ ኵዒትና ከነልግሶ ኢና’ ዝብል ኣረኣእያ ስለዝነበሮ’ዩ ክንድኡ ዝኸውን ግዙፍ መደብን ተበግሶን ዝገበረ።

ንነገራትን ኵነታትን ብኸመይ ንርእዮምን ኣብ ረብሓና ነውዕሎምን፡ ኣብ’ቶም እንመርጾም ቃላት ከይተረፈ ይምርኰስ’ዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ዝመደብናዮ ከይንትግብሮ ዝዕንቅጸና ወይ ዘሰናኽለና ኵነት፡ ጸገም ዲና ንብሎ ብድሆ፧ እቶም ነንዝገጠሞም ዕንቅፋታት ‘ጸገም ወይ ሽግር’ዩ’ ኢሎም ዘጠምቑ ሰባት ካብ ጸገም ክገላገሉ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ሓደ መማረሪ ሰብ፡ ካብ ምምራር ክገላገል ዳርጋ ኣይረኣይን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ንዝገጠሞ ሽግር፡ ‘ብድሆ’ ኢሉ ዝጽውዖ ወይ ዝገልጾ ሰብ ከይተዓወተ ኣይተርፍን’ዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ‘ብድሆ’ ዝብል ቃል ንሓደ ዓንቃፊ ኵነት በዲህካ ናይ ምዕዋት መልእኽቲ ስለዘለዎ።

መሰረት ኩሉ ነገር ሓሳብ’ዩ። ሓሳብ ድማ ብጽዓት ዝተነድቀ’ዩ። ብሉጻት ሓሳባት ዘመንጩዉ ሰባት፡ ኣድማዒ ስራሕ ከሰርሕ ዝኽእል ጽዓት ስለዘጥርዩ፡ ብሉጻት ስራሓት ይሰርሑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዕዉታት ይኾኑ። ብሉጻት ሓሳባት ማለት፡ ነንሕድሕዶም ዝመላልኡ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ናይ ምድምማር ወይ ምውስሳኽ ባህሪ ዘለዎም፡ ኣብ ዝተወሰነን ንጹርን ዕላማ ብምትኳር ጭቡጥ እወታዊ ውጽኢት ንምርካብ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ወይ ዝሕለኑ እዮም። ብሉጻት ሓሳባት ብእወታዊ ድርኺት ዝጥነሱን ንምትግባሮም ትዕግስትን ኣብ ዕላማ ጸኒዕካ ምብዳህን ይሓትቱ። ክትቃንዮም ልቦናን ምስትውዓልን ይሓትቱ። ሓንሳብ ኣብ መትረብ ትግባረ እንተ ኣትዮም ዝዓግቶም ሓይሊ ኣይህሉን። ብሉጻት ሓሳባት ዘመንጭዉ ሰባት ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማኦም’ውን እንተ ኣስተውዒልናሎም፡ ትስፉዋትን ኣብ ልዕሊ ህይወት እወታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎምን እዮም።

ዘይብሉጻት ሓሳባት ድማ ብኣንጻሩ ነንሕድሕዶም ዝፈራረሱ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ ኣቃውማ ዘለዎም፡ መጥመሪ ዘይብሎም፡ ዘይውጽኢታውያን እዮም። ዘይብሉጻት ሓሳባት መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ብዘይሓስቡ፡ ኣዕናዊ ባህርያት ዘለዎም፡ ናይ ካልኦት ዓወት ክርእዩ ዘይደልዩ ሓሳዳትን ስቓይ ካልኦት ዘሐጉሶምን፡ ተስፋ ዝቘረጹ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ዝገዝኦም፡ ናይ ጽባሕ ዓወት ብናይ ሎሚ ጻዕሪ ከም ዝረጋገጽ ንምስትውዓል ዓቕሚ ዝሰኣኑ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ደረጃ ፍልጠቶምን ንቕሓቶምን ትሑት ዝኾኑ . . . ሰባት ይምንጩዉ።

ሓሳብ፡ ጽዓት ምዃኑ እንተ ተሰማሚዕና፡ ዝተወሃሃደ ጽዓት ክህበና ዝኽእል ሓይሊ – ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብእኩብ – ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ሓሳብ ኣድማዒ ክኸውን እንተ ዀይኑ ግን እወታዊ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ሃገርናን ህዝባን፡ ብመሰረቱ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ክንመያየጥ፡ ሓሳባት ክንለዋወጥ፡ ዝሓሰብናዮ ድማ ተግባራዊ ክንገብር እንተ ኰይንና፡ መጀመርታ ሓሳባትና ክንቃንን ምሩጻት ቃላት ተጠቂምና ክንገልጾን ክንዛተየሉን ይግባእ። ምሩጻት ሓሳባት ብምሩጻት ቃላት ክንገልጾም ከለና ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ኰነ ናይ ምግባር ዓቕምና ብዕጽፊ ከም ዝዛይድ ምስትውዓል የድልየና። ሓይልና ክስስንን ዝደለናዮ ዕላማ ክንወቅዕ ክንክእልን፡ ሓሳባትና ኣብ ሓደ እንተ ኣስሚርና ጥራይ’ዩ ክዉን ክኸውን ዝኽእል። ሕማቓት ቃላት ጻህያይ ሓሳባት እዮም፣ ክመሓዉ ጥራይ’ዩ ዘለዎም።

ዘልዓልናዮ ዛዕባ በዛ እትስዕብ ካብ ዩትዩብ ዝተረኽበት ኣብነት ክንዛዝሞ። እዛ ኣብነት እዚኣ፡ ንሓደ ሕማቕ ኵነት ብእወታዊ ኣታሓሳስባ ብኽመይ ናብ ረብሓ ክትልውጦ ከም እትኽእል እተስተምህር ድንቂ ኣብነት’ያ። ነቶም ዘይንፈልጦ፡ ቶማስ ኤዲሰን ‘እቲ ዝዓበየ ኣመሪካዊ መሃዚ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ መሃዝን ብዓል ዋኒንን ዝነበረ ህቡብ ኣመሪካዊ እዩ።

ቶማስ ኤዲሰን 1854

ኣብ ዘይሰዓቱ ካብ ትምህርቲ መጺኡ፡ ሓንቲ ብዝባና ናይ ብሕትን ምስጢራዊትን (Private and Confidential) ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ብሕዙን መንፈስ ደኒኑ ኣተኲሩ እናጠመታን እናገላበጣን፡ ኣደኡ ካብ ውሽጢ ገዛ መጺኣ ወዳ በቲ ሰዓት’ቲ ኣብ ገዛ ምርኣያ እናገረማ፡ “ቶማስ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ዘይሰዓቱ ካብ ትምህርቲ መጺእካ፧” ኢላ ሓተተቶ።

ቶማስ፡ ክንዲ ዝምልሰላ፡ ነታ ደብዳበ ክህባ ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ፡ ዓይኒ-ዓይና ጠመታ። ኣደኡ ናብኡ ቀሪባ፡ ነታ ደብዳበ እናተቐበለቶ፡ ኣብ ጐድኑ ኮፍ በለት። ከፊታ ድማ ኣንበበታ። ብትሕዝቶኣ ከም ዝሰንበደት ካብ ገጻ ይንበብ’ኳ እንተነበረ፣ ንወዳ ግን ከተርእዮ ኣይደለየትን። እቲ ‘እንታይ ዝብል ትሕዝቶ ኾን ይህልዋ ይኸውን?’ እናበለ ርእሱ ብምድናን መልሲ ካብ ኣደኡ ዝጽበ ዝነበረ ቶማስ፡ ኣደኡ እንታይ ከም እትብል ንምፍላጥ ኣዒንቱ ናብኣ ልኣኸን። እታ በላሕን መስተውዓሊትን ኣደኡ ድማ ንእለቱ ዘረባ ኣጠዓዒማ ከም’ዚ ኢላ ኣምሲላ ኣንበበትሉ።

“ወድኺ ኣዝዩ ብልሂ’ዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ንዕኡ ኣዝዩ ንእሽቶ’ዩ። ንዕኡ ዘሰልጥኑ እኹላትን ብቑዓትን መምህራን’ውን የብልናን። ብኽብረትኪ ባዕልኺ ምሃርዮ።”

ንሳ ነዚ ክትብሎ ከላ ንብዓት ከይመጽኣ ምስ ስምዒታ ትቃለስ ነበረት። እቲ ሰንቢዱ ብሓዘን ተኪዙ ዝነበረ ቶማስ ወዳ ግን ፍርሑ ረሲዑ ነዲኡ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ ገጹ ብፈገግታ ክደምቕ ጀመረ። ኣደኡ ድማ ርእሱ እናደራረዘት ሕቝፍ ኣቢላ ብፍቕሪ ወላዲት ኣማመቘቶ። መጽሓፍቲ ኣምጺኣ ድማ ባዕላ ኣብ ገዛ ክትምህሮ ጀመረት።

1905

ድሕሪ 51 ዓመታት፡ ቶማስ ኤዲሰን ነቶም ብቑልዕነቱ ዝመሃረሎም ዝነበረ እሞ ብኽብሪ ኣብ ንኣሽቱ ሰናዱቕ ተዓሺጎም ዝነበሩ መጽሓፍቱ ይፈታትሾም ነበረ። ትሕዝቶ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ሳንዱቕ ከፊቱ ናይ ንእስነቱ መጽሓፍቲ ብምርኣዩ ብዝኽሪ ኣብ ገጹ ክምስታ እናኣንጸባረቐ፡ ናብ’ታ ካልኣይቲ ሳንዱቕ ቀጸለ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ነታ ካብ ቤት ትምህርቱ ነዲኡ ሒዙላ ዝመጽአ ደብዳበ ኣብኣ ረኸባ። ነታ ወረቐት ካብ ቡስጣ ኣውጺኡ ድማ ነቲ ብሓለቓ’ታ ቤት ትምህርቲ ዝተጻሕፈ ሓቀኛ ትሕዝቶኣ ከም’ዚ ኢሉ ኣንበቦ፤

ወይዘሮ ኤዲሰን፡

ወድኺ ብናይ ኣእምሮ ሕማም ዝቐወሰ እዩ . . . ኣእምሮኡ ድንዙዝን ብንጹር ክሓስብ ዘይክእልን’ዩ። ድሕሪ ደጊም ናብ ቤት ትምህርትና ክመጽእ ኣይከነፍቅደሉን ኢና።

ሓለቓ ቤት ትምህርቲ

ነታ ጽሕፍቲ ኣንቢቡ ምስ ወድኣ ኣዝዩ ገረሞ። ድንግርግር’ውን በሎ። ናብ’ታ ኣብ ዓቢ ፍሬም ኣብ ቅድሚኡ ኣብ መንደቕ ተሰቒላ ዝነበረት ስእሊ ኣደኡ ድማ ኣተኲሩ ጠመተ። መጀመርታ ሕዙን ዝመስል’ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ናይ ኣደኡ ብልሒ ኣገሪሙዎ ፍሽኽ በለ።

Tes. H.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s