ፍቕረይ፡ ፍቕሪ ፈለማ
ቦዱ ልበይ ሰውሑ ዘግዘማ,
ላዛ ፍቕርኺ ጣዕሙ ሃዋሃዋ
መኣዛ ሓበነ ዘኪረ ዘይመንዋ።
ዕላልኪ ከም ሑዳ ዘይምኖ
ልምጸት ቈርበትኪ ብርቅሃይኖ
ቈጽሊ ኪለዓው ስውንዋኖ
ጣዕመ ላዛኺ ውልዶ ዓንጐ
ዘይጠፍእ ካብ ውኖ።
ብዋዛ ዘይትርከብ ብሽኮ ነሓሰ
ከናፍርኪ ዘንጠብጥብ ምጸ-ምጸ
ካብ መዓር መስከረም ዝተመርጸ፡
ማንም ዘይረኽባ ስርኒሕ ማንቋ
ዘይትጽገብ ሕሳይ ማሸቛ
ኣውሒ ጽርጋሕ ትሰፍር ኣርሒቓ።
ሕብርኺ ዘብረቕርቕ ፍረ ምልዖ
ጽሕዲ መሸከልኪ ባህሪ ዝኸርዖ
ኩመል ሄዋን ንልበይ ትዘርዖ፡
እንታይ ትረኽቢ ነብሰይ `ንተሳጸየ
ብናፍቖትኪ ጽጉብ ከብደይ እንተጠመየ፧
ፍቐድለይ`ንዶ፣
ሒዘኪ ክዕዘር ናብ ብዓቲ ፍቕሪ
ክጥምጠመኪ’የ ከይትቖሪ
እንተደለኺ ትፍትልኒ ክዀነልኪ ሃሪ
ልግዐ ድሙ ከንጽፈልኪ ፈውሲ ትሪ
ክዝይመልኪ ከም ዑፍ ሃርሃሪ
እንተደገደስኪ ናይ ፍቕርና ዝኽሪ።
ፍቐድለይ`ንዶ፣
ሒዘኪ ክዕዘር ናብ`ቲ ትፈልጥዮ
ፍቕረይ ክገልጸልኪ ዕድመ ዘየብለዮ
ኩርታዕ ከምጽኣልኪ ‘ቲ ትፈትውዮ
ኣጉለ ከብልዓኪ ጒላ ዝፈረዮ።
ሻቡ፣
`ንተተዘከረኪ ጣዕሚ ፍቕሪ ፈለማ
ብገልገለ-መስቀለ ክንኣስር ጋማ፡
“ዓኾኻይ” ክብሉልና ደቂ በረኻ
ኣርሐይ ክትኰኒ – ክዀነልኪ ኣርሓ
ብሓጐስ ክንፍንጫሕ ረኺብና ርሓ።