መጽሓፍ ባህጊ ክልተ ዓመታት ኣቝጺራ፡ ባህጋ ኸ ኣበይ በጽሐ?

ግዜ እንታይ ኣለዎ! ድሮ ክልተ ዓመታት ሓሊፎም። 02 መጋቢት 2019 ኣሕታሚ እምኵሉ ናይ ፈለማ ጣይታኡ ዝዀና ሰለስተ መጽሓፍቲ ንሕትመት ኣብቂዑን ኣመሪቑን። ሓንቲ ካብኣተን ‘ባህጊ’ ዝተሰምየት ናይ ፈለማ ልብ-ወለዳዊት መጽሓፈይ’ያ። ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ጽሕፈት ተመኵሮይ ኣብ ዓንቀጻትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ዝተደረት’ዩ ነይሩ።

ደረቱ ደኣ ይፈላለ ይኸውን’ምበር፡ ባህጊ ዘይብሉ ወዲ ሰብ መቸም ክንደየናይ ከይህሉ! እቲ ዓይነታት ባህጊ ከከም ስምን ሕብርን መልክዕን ሰቡ ዝተፈላለየ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየካትዕን፣ የግዳ ባህጊ ናይ ውልቂ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሓባር’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ሓባር ባህጊ ካብ ናይ ሓባር ሃረርታን ሕልምን’ዩ ዝብገስ። ነፍሲ-ወከፍና ናይ ውልቅና፡ ስድራና፡ ሕብረተ-ሰብና፡ ከባቢናን ሃገርናን . . . ሃረርታታትን ሕልምታትን ክህልወና ይኽእል’ዩ።

መጽሓፍ ባህጊ ክጽሕፍ ምስ ሓሰብኩ፡ ነቶም ናይ ውልቀይ ባህግታት ጥራይ ዘይኰንኩስ ነቶም ናይ ሓባር ባህግታት’ውን ከም ሕመረት መልእኽተይ ገይረ ክሕንጥጥ’የ ሓሊነ። እወ፡ በታ ንእሽቶ ዓቕመይ ሓንጢጠ ከበርክት ብሂገ። ብርግጽ፡ መጽሓፍ ባህጊ፡ ባህጊ ተባሂላ እትጽዋዕ ብልህን ድንቅን ዝዀነት ቈልዓ ከም ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ዘማእከለት’ያ። ውላድ መቸም ባህጊ ናይ ዳርጋ ኵሉ ወዲ ሰብ እያ/እዩ። “ስለምታይ ወዲ ሰብ ውላድ ይብህግ?” ንዝብል ሕቶ ነፍሲ-ወከፍና ከከም ኣረኣእያና፡ ስምዒትናን ኣረዳድኣናን እንምልሶ ኰይኑ፡ ሓደ ዳርጋ ናይ ሓባር ረቛሒ’ዩ ግን። ንውላዱ ዝህሉዎ ባህጊ’ውን ደረት ዘለዎ ኣይመስለንን – ባህጊ ኵሉ ጸጽቡቑ ዘበለ።

ኣሽንኳይ’ዶ ሕልና ዘሎዎ፡ ዝሓስብን ዘስተውዕልን ፍጡር ሰብሲ እንስሳታ’ኳ ንውላዶም ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ከም ዝምነዩ ካብ ትዕዝብትና ዝረሓቐ ኣይኰነን። ወዲ ሰብ እቶም ብዘይክኦም ክነብር ዘይክእል ግን ከኣ ከይሓፈረ ንዝሓመቐ፡ ክፉእ ንዝሓሰበ፡ ጨካን፡ ወዘተ “እንስሳ” እናበለ መጽረፊ ዝገብሮም እንስሳታት፡ ንድሕነት ውላዶም ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ ከም ዘለዉ ይፈልጥ’ዩ።

ስለ’ዚ እምበኣር መጽሓፍ ባህጊ፡ ወላ’ኳ ኣንባቢ ባዕሉ ኣንቢቡ እንታይ ዓይነት ባህጊ ንምግላጽ ተጻሒፋ ከም ዘላ ክድህስሳ ዝግባእ እንተዀነ፡ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ባህግታተይ ግን ንመዕበያ ቈልዑ ዝምልከት’ዩ። መዕበያ ቈልዑ በዘን ክልተ ቃላት ጥራይ ከተስፍሮ ቀሊል ክመስል ይኽእል’ዩ። የግዳ፡ እዚ ዓውዲ’ዚ ኣዝዩ ሰፊሕ፡ መሰረታውን ዝተሓላለኸን’ዩ። ከም’ቲ ብዘይ ዘርኢ ዝርከብ ምህርቲ ዘየለ፡ ብዘይ ቈልዑ ዝርከብ ሕብረተ-ሰብ ድማ የለን። ገለ ካብ ረቛሒታት ብርኩትን ጽሩይን ምህርቲ፡ ጽሩይን ስቡሕን መሬት’ዮም። ‘ጽሩያት’ ቈልዑ ብኡ መንጽር ድማ ‘ጽሩይ’ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ከ ደኣ እንታይ’ዩ ዘድሊ? ኣብ’ዚ መዳይ መጽሓፍ ባህጊ እትብሎ ኣለዋ’ሞ፡ ክቡር ኣንባቢ (ክልቲኡ ጾታ) ነቢብካ ክትረኽቦ እዕድመካ።

ኣብ ጽኑዕ መሰረት ብፍቕርን ምልኣትን ዝተሃንጸት ስድራ ቤት መሰረት ብዅልንታንኡ ቅርዑይን ስልጡንን ሕብረተ-ሰብ ምዃና’የ ዝኣምን። እዚ’ውን ካብ ቴማታት መጽሓፍ ባህጊ’ዩ። ንፈትሾ፣ ንመያየጠሉ። ምህናጽ ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን ሓያል ጥንቃቐ ዝሓትት፡ ብዙሕን ዘየባትኽን ወፍሪ ዘድሊዮ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ባህጊ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ተረዲኡ ብፖሊሲን መንግስትን ደረጃ ዘተግብር ሓቐኛ ኣካል ይደሊ። ብርእይቶይ፡ ኣብ’ዚ ትዅረት ክወሃቦም ዝግብኦም መሰረታውያን ባእታታት ትምህርትን ስነ-ጥበብን’ዮም። እዚ ጕዳይ’ዚ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ’ዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተኣፋፍን ኣዕናውን ግዜ መሰረታዊ ነገር ምዃኑ’የ ዝኣምን። ዝዓነወ ቁጠባ፡ ትሕተ-ቕርጽን ህንጻን ምህናጽ ቀሊል ዕማም’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዅልንትናኡ ዝተሃንጸ ሰብ ምስ ዝርከብ ግን ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ኣይኰነን። እቲ ኣዝዩ ከተሓሳስበና ዘለዎስ ዝዓነወ/ት ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን እዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ሓንቲ ዘመናዊ ከተማ ንምድኳን ናይ ውሑዳት ዓመታት ዕዮ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ዝዓነወ ሕብረተ-ሰብ ክትሃንጽ ግን ዓሰርተታት ዓመታት’ኳ እንተ ኣኺሎ!

መጽሓፍ ባህጊ እምበኣር ነዞም ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ውሱናት ገጻት ወረቓቕቲ ከም ቴማታታ ሓቝፋ’ያ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንንባብ በቒዓ። ብዝሒ ዝርጋሔኣን ተነባብነታን ኣሕታሚ ዝግምግሞ’ኳ እንተዀነ፡ በቲ ካብ ነበብቲ ከምጽኣንን ኣብ’ዞም ተናኺፈዮም ዘለኹ ዓበይቲ ዛዕባታት መበገሲ ክትዓትን ዝሰፍሑ ሓሳባትን ክትኰኖ ዝበሃግኩዋን ግን ኣይኰነትለይን። ዝተጠቐምኩሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ከም’ዚ ኣዝዩ ዝውቱር ቅዲ፡ ማለት ኣዝዩ ኣንጠልጣሊ ኣገባብ፡ ኣይኰነን። እቲ ተጠቂመሉ ዘለኹ ቅዲ ትኽ ኢሉ ዝኽየድ ትረኻ ኰይኑ፡ ብዝያዳ ኣብ ትሕዝቶ ኣተኵሮ ዝህብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ’ዩ። ብዝዀነ፡ ሕጂ’ውን ኣብ’ዛ መጽሓፍ ተላዒሎም ዘለዉ ቴማታት ምስ ህንጸት ሕብረተ-ሰብ ዝተሓሓዙ ምዃኖም’የ ዝኣምን’ሞ፡ ነበብቲ ነቢብኩም ክተሀብትሙዋ ባህገይ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንትርግታ ልብን ባህግን ኤርትራውያን ደረስቲ፡ ጸሓፍትን ነበብትን ሰሚዑ ተባዕ ስጕምቲ ብምውሳድ ናይ ሕትመትን ዝርጋሐን ስራሓት ብተውለ ዝሰርሕ ዘሎ ወናኒ ትካል ኣሕታሚ እምኵሉ ቴድሮስ ኣብራሃም ኣመስጊነ ንኣመስገንቲ እህቦ። ድልዱል መሰረት ኣንጺፉ፡ ለይትን መዓልትን ከይሰልከዮ መጽሓፍትና ይዝዝርግሕ ንዘሎ ዋና ሰማያት ቡክስቶር መም. መኮነን ተስፋይ ድማ ኣዕዚዘ አመስግኖ። “ባህግታትና ዝሰምረሉ ርሑቕ ኣይኰነን’ሞ፡” በርትዑ ድማ እብሎም።

ነዛ መጽሓፍ ‘ባህጊ’ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ፡ በዘን መላግቦታት ክትረኽቡዋ ትኽእሉ ኢኹም፤

https://www.emkulu.com/shop/

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s